FBC Tigrigna


Channel's geo and language: not specified, not specified
Category: not specified


This is FBC Tigrigna official Telegram channel.
For more updates please visit www.fanabc.com/tigrigna

Related channels  |  Similar channels

Channel's geo and language
not specified, not specified
Category
not specified
Statistics
Posts filter


ኣብ መበገሲ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣተሓባባሪነት ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ፌዴሪኢ እናተዳለወ ዝርከብ ሰነድ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘድሃበ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ኣድሂቡ ዝሳጥ ዘሎ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ፥ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ን11 መዓልቲታት ዝሃየድ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ። እቲ መድረኽ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ምእንታን ምስታፍ ክኽእሉ፣ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-መበገሲ-ሰነድ-መሪሕ-ትልሚ-ልምዓት-10-ዓመ/


ክልተ ሴናተራት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘይሻራዊ ቅዋም ንኽትሕዝ ብደብዳበ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክልተ ሴናተራት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዘይሻራዊ ቅዋም ንኽትሕዝ ብደብዳበ ሓቲቶም። ሴናተር ኮሪ ቡከርን ሴናተር ክርስቶፎር ኩንስን ንሓላፊ ግምጃ ቤት ኣሜሪካ ስቴቨን መኑሸን ኣብ ዝፃፉዎ ደብዳበ፥ ኣሜሪካ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝግበር ዘሎ ድርድር ሒዛቶ ዘላ ቅዋም ከምዘተሓሳስቦም ብምሕባር ኣብቲ ድርድር ንባዕላ ዘይሻራዊ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ክልተ-ሴናተራት-ኣሜሪካ-ሃገሮም-ኣብ-ጉዳይ/


ኣብ ዓለም ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ፍርቂ ሚሊየን ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም 504 ሺሕን 490 በፂሑ። ንፈለማ እዋን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ግዝኣት ሁቤይ ከተማ ዉሃን ዝተርኣየ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ተስፋሕፊሑ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ተታሒዞም ይርከቡ። ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ዓለም-ብቫይረስ-ኮሮና-ህይወቶም-ዝሓለ/


ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ገበን ቅንፀላ ጀነራል ሰዓረን ሜ/ጀነራል ገዛኢን 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ገበን ቅንፀላ ጀነራል ሰዓረን ሜጀር ጀነራል ገዛኢን 22 ሰነ 2012 ዓ.ም ከምዝጅመር ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ችሎት ገበን ፀረ ግብረራዕዲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከምዝበሎ፥ ኣብ ልዕሊ ብቕትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝጥርጠር ኣስራኣለቃ መሳፍንት ጥጋቡ  ዝግበር ከይዲ ምስማዕ ምስክርነት ዓቃቤ ሕጊ ብፕላዝማ ካብ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ከይዲ-ምስማዕ-ምስክርነት-ገበን-ቅንፀላ-ጀ/


በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ 12 ሕቶ ድልየታት ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ኮሙዩኒኬሽን ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ቴሌኮም 12 ሕቶ ድልየታት ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እቲ በዓል መዚ ምስቶም ፍቓዳት ብዝተተሓሓዘ መግለፅታት ድልየት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዕላዊ ከምዝገበረ ኣዘኻኺሩ። ብመሰረት ዘቐመጦ ገደብ እዋን 12 ሕቶ ድልየታት ክልተ ፍቓዳት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ከምዝተቐበለ ድማ ኣፍሊጡ። ካብእቶም ሕቶታት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/በዓል-መዚ-ኮሙዩኒኬሽን-ኢትዮጵያ-12-ሕቶ-ድል/


ካብ ጀሞ 2 ክሳብ ጀኔራል ዊንጌት ዝህነፅ መገዲ ኣብቶብስ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ጀሞ 2 ክሳብ ጀኔራል ዊንጌት ዝህነፅ መገዲ ኣብቶብስ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። እቲ ህንፀት መገዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ኣጀሚረምዎ። እቲ መገዲ 20 ኪሎሜትሮ ዘለዎ እንትኸውን፥ ናብ ክልተ ኣንፈት ዝዝርጋሕ ኢዩ። ኣዲስ ከተማ፣ ልደታ፣ ቂርቆስን ኮልፌን ኣብ ዘለዉ ቦታታት ደው…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ካብ-ጀሞ-2-ክሳብ-ጀኔራል-ዊንጌት-ዝህነፅ-መገ/


ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ዝቐረዩ ስራሕቲ ህንፀት እቲ ግድብ ብምዝዛም ምምላእ ማይ ከምእትጅምርን ኣብቶም እዋናት ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ምውሳነንን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ዝቐረዩ ስራሕቲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብምዝዛም ምምላእ ማይ ከምእትጅምርን ኣብቶም ክል ሰሙናት ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ምውሳነንን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ትማሊ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ደንቢ ምምላእን ምስዳድን ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ኣብ-ዝቕፅሉ-ክልተ-ሰሙናት-ዝቐረ/


ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ፥ ኣባላት ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ካብ ኣፍሪካ ዝፍልፍል መፍትሒ ግድብ ህዳሰ ከምፅኡ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ከምዘሳለጣ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣባላት ቢሮ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ካብ ኣፍሪካ ዝፍልፍል መፍትሒ ግድብ ህዳሰ ከምፅኡ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ከምዘሳለጣ ኣፍሊጦም። እቲ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም። እቲ ኣኼባ ንኣፍሪካ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቀ-ሚ-ዶ-ር-ኣቢይ፥-ኣባላት-ቢሮ-ሕብረት-ኣፍሪ/


ኣሜሪካ ብኣድልዎ ካብ ዝሓዘቶ ድርድር ግድብ ህዳሰ ወፂኣ ንሓቀኛ ድርድር ሓገዝ ክትገብር ነበር ሰብ መዚ እታ ሀገር ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሜሪካ ብኣድልዎ ካብ ዝሓዘቶ ድርድር ግድብ ህዳሰ ወፂኣ ንሓቀኛ ድርድር ሓገዝ ክትገብር ነበር ሰብ መዚ እታ ሀገር ኣተሓሳሲቦም። እቶም ሰበስልጣናት ከምዝገለፁዎ፥ ሃገሮም ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ዘይሻራዊ ክትከውንን ግልፂን ፍትሓዊን ከይዲ ሽምግልና ክትክተል ከምዝግበኣ ኢዮም ፀዊዖም ዘለዉ። ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ፣ ኣምባሳደር ጀንዳይ ፍሬዘርን ኣምባሳደር ሄርማን ኮሆንን ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ነበር ሰብ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣሜሪካ-ብኣድልዎ-ካብ-ዝሓዘቶ-ድርድር-ግድ/


ስራሕቲ ምፅራግ ደኒ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ዝዓርፈሉ ከባቢ ዝርከቡ እፅዋት ምፅራግ ተጀሚሩ። ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ልምዓት ኢንተርፕራይዛትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክልል ቤኒንሸንጉል ጉሙዝ ኣይተ በሽር ዓብዱራሂም፥ እቲ ክልል ብኢንተርፕራይዛት ኣቢሉ ዝፅረግ 1 ሺሕን ሄክታር መሬት ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተረኪቡ ስራሕቲ ምቑራፅ ደኒ ንኽጅመር ገይሩ ኢዩ። ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ስራሕቲ-ምፅራግ-ደኒ-ግድብ-ህዳሰ-ኢትዮጵያ/


ሶማሊያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ አብዲሃኪም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሶማሊያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ኣምባሳደር ሶማሊያ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዲሃኪም ዓብዱላሂ ዖማር ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኣፍሪካ ተስፋ ዝተሓንገጠ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም። ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ግድብ ህዝቢታት እቲ ዞባ ብኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ንኽተኣሳሰሩ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ሶማሊያ-ኣብ-ጉዳይ-ግድብ-ህዳሰ-ቅዋም-ኢትዮ/


ቀ/ሚ ኣቢይ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ስነ-ጥበብ ሓምለዋይ ዓሸራ ዝገልፅ ቪዲዮ ኣዳሊዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንኽለቁ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ስነ-ጥበብ ሓምለዋይ ዓሸራ ዝገልፅ ቪዲዮታት ብምስንዳእ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንኽለቁ ፀዊዖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቴሌግራም ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ ፅሑፍ፥ ናይዚ ዓመት መርሃ-ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ካብ ዝጅመር ክልተ ኣዋርሕ ከምዝመልኦ ኣብሪሆም። ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያታት ስነ-ጥበብ ንሓምለዋይ ዓሸራ ዘነቓቕሑ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ቀ-ሚ-ኣቢይ-ኢትዮጵያውያን-ሰብ-ሞያታት-ስነ/


ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 20 ሚሊየን ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ካብ 20 ሚሊየን ሓሊፉ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ። ሰብ መዚ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት እታ ሃገር ከምዝገለፁዎ እንተኾይኑ፥ ኣብ ኣሜሪካ ብውሑዱ 20 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኢዩ። ትኽክለኛ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ሕዚ ካብ ዝተገለፀ ቁፅሪ ብ10 ዕፅፊ ዝዛየደ ክኸውን ከምዝኽእል…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ኣሜሪካ-ብዝሒ-ብቫይረስ-ኮሮና-ዝተትሓ/


ጋንታ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ሻምፒዮና ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ሊቨርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕሜርሊግ እንግሊዝ ማዃና ኣረጋጊፃ። ጋንታ ኣንፊልድ ሊቨርፑል፥ ትማሊ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብቼልሲ ምስዓራ ስዒቡ ኢያ ሻምፒዮና ኮይና ዘላ። ተፃወትቲን ደገፍቲን እታ ጋንታ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዝረኸቡዎ ዓወት እናኽበሩ ይርከቡ። ኣሰልጣኒ የርገን ክሎፕ ኩነታት እንትመዓራረ ምስ ደገፍቶም…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ጋንታ-ሊቨርፑል-ድሕሪ-30-ዓመታት-ሻምፒዮና-ፕ/


መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 10 ብሉፃት መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ቀዳማይ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 10 ብሉፃት ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ሕዚ እውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ። ከም ፀብፃብ ኣፍሪካ ሎጂስቲክስ ዶት ኮም እንተኾይኑ፥ እቲ መገዲ ኣየር ብዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎ መሪሕነት ቀፂሉ ኣሎ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ብበዝሒ ተጓዓዝቲ፣ ተበፃሕነትን እቶትን ካብ መገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝኾነ ተገሊፁ። እቲ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/መገዲ-ኣየር-ኢትዮጵያ-ካብ-10-ብሉፃት-መገዲ-ኣ/


ፀገማት ኣፍሪካዊያን መፍትሒኦም ብኣፍሪካዊያን ክረኸቡ ኣለዎም – ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብደልማዲድ ተቦኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀገማት ኣፍሪካዊያን ብኣፍሪካዊያን መፍትሒ ክረኸቡ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብደልማዲድ ተቦኒ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ነዙይ ዝገለፁ፥ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ ልኡኽን ፌዴሪኢ ብምዃን ኣብ ኣልጀሪያ እናገልገሉ ዝፀንሑ ኣምባሳደር ኣሚን ኣብደልቃድር ስረሖም ብምዝዛሞም፤ ኣብ ዝነበሮም ናይ መሰነባበቲ ዘተ ኢዩ። ፕሬዚዳንት አብደልማዲድ፥ ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተፋሰስቲ ሃገራት ርኡይ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ፀገማት-ኣፍሪካዊያን-መፍትሒኦም-ብኣፍሪ/


ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 141 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 675 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 141 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 2 ወርሒ ክሳብ 87 ዓመት ምዃኖም ዝገለፃ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 81 ደቂ ተባዕቲዮ 60 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ኢትዮጵያ-ብቫይረስኮሮና-ዝተለኸፉ-ተ-6/


ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ቫይረስኮሮና ዝተገበሎም ኩሎም በቲ ቫይረስ ከምዘይተለኸፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ን547 ሰባት ምርመራ ቫይረስ ኮረና ዝተገበሎም እንትኾን ኩሎም እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸቦም ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ቢሮ ኣብ ዘውፀኦ ዕለታዊ ፀብፃብ ከምዝበሎ ሸውዓተ (7) ካብ ሰቲት ሑሞራ ኣብ መሐከሚ ማእኸል ዝነበሩ ቫይረስ ኮሮና ዝነበሮም ወገናት ሎሚ ዕለት ድሒኖም ወፂኦም ኣለው፡፡ ብጠቕላላ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኣብ-ትግራይ-ኣብ-ዝሓለፉ-24-ሰዓታት-ምርመራ-ቫ/


ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንህወሓትን ኢዴሕን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት ንውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት)ን ዴሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ(ኢዴህ)ን ካብ ኣባልነት እቲ ጥምረት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ጥምረት መበል ራብዓይ ጠቕላላ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየደ እንትኸውን፥ ኣብ ኣደረጃጅውኡ፣ እዋናዊ ኩነታት ሃገርን ቀፃሊ ኣንፈትን ሰፊሕ ዘተ ከምዝገበረ ተገሊፁ። ኣካቢ ኮሚቴ ኣደረጃጅዋ እቲ ጥምረት ኣይተ ቶሎሳ ተስፋዬ፥…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ፌዴራሊስት-ሓይሊታት-ጥምረት-ን/


ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲን ሩዋንዳን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእላ ኣዋጅ ስምምዕነት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት መበል 17 ዘበን ስራሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሳሊጡ። እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼብኡ፥ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲን ሩዋንዳን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእላ ኣዋጅ ስምምዕነት ኣፅዲቑ። ብተወሳኺ ሹመት ዝተጓደሉ ኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኣፅዲቑ። ብመሰረት…

https://www.fanabc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ምስ-ጅቡቲን-ሩዋንዳን-ብገበን-ዝ/

20 last posts shown.

2 058

subscribers
Channel statistics