أول شمس الدين dan repost
ናይ ዒድ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ቅድሚ ምርኣይና,ዒድ ዝብል ቃል ንባዕሉ እንታይ ማለት ምዃኑ ምፍላጡ አገዳሲ ነገር እዩ።
ዒድ ዝብል ቃል ናይ ዘርኢ ወይ ከዓ ናይ መደብ ሹም እንትኾን ማንኛውም መዓልቲ ወይም ቦታ ምስብሳብ ዝፍፀመሉ ዝኾነ ከምኡ ውን በቲ ቦታ ወይም መዓልቲ ንዝፍፀም ኩሉ ሰራሕ ዒድ ይበሃል።ዓመት ወይ ከዓ ወርሒ ወይ ከዓ ሰሙን ብዝተመላለሰ ቁፅሪ ዝፍፀም ተግበር ዝኽበር መዓልቲ ወይ ቦታ ማለት እዩ።
ዒድ ብ መበል ካልኣይ ዓመት ሂጅራ እዩ ተደንጊጉ።ሂጅራ ማለት እስላማዊ አቆፃፅራ እንትኾን ካብ መካ ናብ መዲና ዝተገበረ ስደት አትሒዙ ይጅምር።
ዒድ ኣልድሓ ማለት ኣስላም አብ ዓመት ኽልተ ጊዜ ካብ ዘኽብርዎም በዓላት ሓደ እዩ።ካብቶም ናይ እስልምና ሓሙሽተ ዓንድታት ዝኾነ ድሕሪ ናይ ሓጂ ስርዓተ ፀሎት ተኸቲሉ ዝመፅእ ኢዩ።መበል ዓሽራይ መዓልቲ ዙል ሒጃ ወርሒ ይውዕል።የውሙ ናሕር ተባሂሉ ውን ይፅዋዕ እዩ።ናይ ሕርዲ መዓልቲ ማለት እዩ።ዒድ ኣል አድሓ ኡድሒያ ካብ ዝብል ቃል ዝመፀ እዩ። ኡድሒያ ማለት ከዓ ንሕርዲ ዝተዘጋጀወ እንስሳ እንትኾውን ናብ ረቢ ወይ ፈጣሪ ዝግበር አምልኾ እዩ። ነቢዩላህ ኢብራሂም አብ ሕልሞም ንወዶም እስማዒል እንዳሐረድዎ ምስ ረአዩ ሕልሞም ተግባራዊ ንምግባር ተላዓሉ።ምኽንያቱ ናይ ነብያት ሕልሚ ካብ መለኾታዊ ራእዪ እዩ ዝመድብ።ንውላዶም እስማዒል ኣብ ሕልመይ እንዳሓረድኩኻ ተራእዩኒ ሰለዚ እንታይ ይመስለካ ብ ማለት ንውላዶም ሓተትዎ። ወዶም ከዓ ነብዩ እሰማዒል ኣቦይ ሆይ ዝተተኣዝካዮ ፈፅም። ብ ጎይታ ፍቃድ ካብቶም ተዓገሰቲ ኾይነ ትረኽበኒ ኢኻ።ብ ማለት ን ወላዲኦም መልሲ ሂበምዎ።ኢብራሂም ሕርዲ ን ምፍፃም ካራ ሒዞም ምስ ኣጋደምዎ ብድንገት ካብ ሰማይ መልኣክ ጅብሪል ሙክት በጊዕ ተሸኪሙ አምፂሎም ። ጎይታኡ ውን ከምዚ በለ ዓብዪ ብ ዝኾነ ሙክት ቤዛ ጌርናሉ። ካብዚ እዋን ጀሚሩ ኡድሒያ ናይ ነብዩላህ ኢብራሂም አብ ኩሉ ቦታ ዘለው ኣስላም ኣብ ዒድ ኣል አድሓ መዓልቲ ዝፍፅምዎ ሱና ወይ ከዓ ፈለግ ኾይኑ ማለት እዩ።
ናይ ዒድ ኣለ ፈጥርን ዒድ ኣል አድሓ ዘለዎም አፈላላይ ዒድ ኣል ፈጥር ኣብ ወርሒ ሸዋል ድሕሪ ናይ እስልምና ራብዓይ ዓምዲ ዝኾነ ፆም ዝፈፀም በዓል እዩ።ዒድ ኣል አድሓ ኸዓ ናይ እስልምና ድሕሪ ሓምሻይ ዓምዲ ዝኾነ ናይ ሓጂ ሰርዓተ ኣምልኾ ወይ ከዓ በዓል ዝፈፀም እዩ።ካሊእ አፈላላይ ከዓ ኣብ ዒድ ኣል አድሓ ኣምልኮታዊ ዝኾነ ሕርዲ እንትፍፀም ኣብ ኣል ፈጥር ኣምልኾታዊ ዝኾነ ዝፍፀም ሕርድ የለን።ናይ ታሕጓስ ብ ማለት ጥራሕ ግን ክሓርዱ ይኽእሉ እዮም።
ዒድ ኣል ድሓ ኣከባብራ ኣብ ኩሉ ቦታ ሓደ ዓይነት እዩ።ኣብ ኩሉ ቦታ ዘለዎ ኣሰለም እስካብ ሶላትል ዒድ ዝስገድ ፃመኛ እዮም ዝኾኑ ። ድሕሪ ምስጋዶም ኸዓ ዓቅሚ ዘለዎም ወጋናት ናይ ሕርዲ ሰርዓት ኣምልኾ ይፍፅሙ ማለት እዩ። ካብቲ ዝሓረድዎ ናብ ሰለስተ ቦታ ብምኽፋል
ንቶም ደካማ ዓቅሚ ሲሶ ዝኾውን የከፍልዎም ማለት እዩ።
ናብ ሰላት ዒድ ኣልፈጥር ግን ኣፍጢርካ ማለት ምግቢ ቀሚሰካ እዩ ዝኽየድ።ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለዎ ኣፈላላይ ናይ ኣመጋግባ ኣለባብሳ ሰርዓት ክህሉ ይኽእል እዩ።ምስቲ ናይ እምነቱ ሰርዓት አለባብሳ አመጋግባ እሰካብ ዘይ ተቃረነ ፍቁድ እዩ።